Saturday , April 20 2024
Foto: Markus Dahlberg / SCANPIX kod 10680

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ገለ ኣውራጃትት ሕጽረት ደም ኣጋጢምወን።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ብሃገር ደረጃ ዋሕዲ ማዕከ ደም ኣጋጢሙ ምህላዉ ይግለጽ
ኣሎ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት ደም ቅድሚ ምልጋሶም ክጽበዩ ስለ ዘለዎም
እቲ ሕጽረት ማዕከን ከጋጥም ምኽኣሉ ኣደ መንበር ውድብ ባንክ ደም ሽወደን ኢንግሪድ ጆሃንሰን ን ኤድዮ
ሽወደን ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ብፍላይ ኣብ ዓይነታ ደም O ከምኡውን A ሕጽረታት ኣጋጢሙ ምህላዉ
ድማ ወሲኻ ኣመልኪታ። በዚ ድማ ብርክት ዝበላ ኣውራጃታት ሽወደን በዚ ኲነታት ተጸልየን ኣለዋ ኢላ።

ብመሰረት ጆሃንሰን ዓመታዊ ልገሳ ደም ዘካይዱ ሽወደናውያን ቊጽሮም ካብ 3% ጠቕላላ ህዝቢ ኣይበዝሕን
እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com