Friday , April 19 2024

ኣብ ሽወደን ንነግራማት ዓማዊል ዝእግድ ሕጊ ክጠናኸር ጻውዒት ቀሪቡ።

ናይ ንግድ መስርሕ ዝዘርጒ ነግራማት ዓማዊል ንምእጋድ ዝውዕል ሕጊ፡ ሳሕቲ ጥራይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉ፡ ሓደ ናይ ሽርሻሮ ጒጅለ ኣተሓሳሲቡ።

ብነግራማት ዓማዊል ዝተኻየዱ ንግድ ናይ ምዝራግ ኣጋጣሚታት ተኣኪቦም ናብ ሕጊ እንተዝቐርቡ፡ ትርር ዝበለ ሕጋዊ እገዳ ንኽግበረሎም ኣብ ውሳነ ምብጻሕ ምተኻእለ ኔሩ፡ ክብል ኣብ ፈደረሽን ንግድ ሽወደን ሓላፊ ፖሊሲ ቊጠባ ማት ሀደንስትሮም ገሊጹ’ሎ። እዚ ሕጊ ተግባራዊ ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፡ 500 ጥርዓናት እኳ እንተቐረቡ፡ ዓቀብቲ ሕጊ ዛጊት 181 ሕቶታት እገዳ ስርዓት ኣልቦ ዓማዊል ጥራይ ምቕባሎም ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com