Wednesday , April 24 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ኣብ ሽወደን ኣባይቲ ምሻጥ ካብ ዓሚ ሎሚዘበን ከም ዝኸብድ ተገሊጹ::

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ጽኑዕ ሕግታት ልቓሕን ተጣራጣርነት ዓደግትን፡ ንኲነታት መሸጣ ኣባይቲ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ዝበዝሑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ይገልጹ።

ብመሰረት ኣብ ሓደ ሄምነት ዝተባህለ ኣባይቲ ዝሻየጠሉ መርበብ-ሓበሬታ ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 60 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ኣብዚ እዋን ገዛ ወይ ኣፓርታማ ምሻጥ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ።

ብኣገላልጻ እቶም ሰብ ዋኒን፡ ዕዳጋ ኣባይቲ ጽንኩር ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ተሪር ሕግታት ኣለቃሕቲ ኮይኑ ዓደግቲ ልቓሕ ንምርካብ ኣብ ዝቃለሱሉ እዋን ኣባይቲ ንምሻጥ ዝወስድ ግዜ ክነውሕ፡ ዋጋታት ድማ ክዝሕትል ይረአ ብምህላው እዩ።

እቶም ሰብ ዋኒን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ዝገልጽዎ ድማ ዓደግቲ ዋጋታት ኣባይቲ ክንኪ ብምጽባይ ከይገዝኡ ነዊሕ ክጸንሑ ዝመርጹ ምዃኖም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com