Friday , March 29 2024

ኣብ ሽወደን ኣንስቶም ዝሃርሙ ሰብኡት ደዊሎም ምኽሪ ዝረኽቡሉ ናይ ቴሌፎን መስመር ክጅመር እዩ

እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስመር ቴሌፎን ካብቶም ኣብ ልዕሊ መጻምዶም ወይ ደቆም ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ወይ ድማ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ተግባር ከይፍጽሙ ዝሰግኡ ሰባት ናይ ቴሌፎን ጻውዒት ተቐቢሉ ብኸመይ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ነብሶም ክገትኡ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህብ ክኸውን እዩ።

እታ ኣብ ቦርድ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ስቶክሆልም ነቲ ፕሮጀክት እትመርሕ ዘላ ክሪስቲና ኤሪክሰን ንሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን ሽወደን (SVT) ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ሽወደናዊ ሃገራዊ መስመር ሓገዝ ደቀንስዮ፡ ዓመታዊ ካብ ኣስታት 30,000 ዝኾና ግዳያት ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ናይ ርድኡና ጻውዒት ቴሌፎን ከም ዝቕበል ይዂን እምበር ምስ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ተራኺቡ ምኽሪ ናይ ምሃብ ዕድል ግን ከም ዘይብሉ” ተረድእ።

ኤሪክሰን ኣብ መብርሂኣ እቲ ናይ ሓገዝ መስመር ከም መተካእታ ናይቲ ንግዳያት ዝወሃብ ሓገዝ ክረአ ከም ዘይብሉ ብምዝኽካር ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ንዝወርዶም ደቀንስትዮን ቈልዑን ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኮይኑ ግና እቲ ዝወሃብ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ንፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ዘየጠቓልል እንተኾይኑ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝረአ መጠን ዘቤታዊ ጐነጽ ክንኪ ከም ዘይክእል ትገልጽ።

እዚ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ብሓባራዊ ወፍሪ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ስካነ (Skåne)ን ስቶኮልምን ዝካየድ ኮይኑ እቲ ሓሳብ ካብቲ ኣብ 2006 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንፈጸምቲ ዘቤታዊ ዓመጽ ምኽሪ ንምሃብ ተባሂሉ ዝተጀመረ Respect Helpline ዝበሃል መስመር ቴሌፎን ዝተወስደ እዩ። ናብቲ መስመር ጻውዒት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ብኡ ንብኡ ጠቓሚ ማዕዳ ዝህቡን ንደወልቲ ተወሳኺ ናይ ስነ-ኣእምሮ ረድኤት ንኽወስዱ ዘተባብዑን ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ ቴራፕየኛታትን ክኢላታት ስነ-ልቦናን ኣለው።

“ኣብ ከተማ ማልሞ (Malmö) ሓላፊ ማእከል ቅልውላው ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ሚካኤል ዌጅፌልት (Mikael Wejsfelt) ንኣገዳስነት ናይቲ ተበግሶ ክገልጽ ኸሎ “መስመር ቴሌፎን ናይ ምኽፋት ሓሳብ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምዶም ጐነጽ ዘዘውትሩ ሰብ ሓዳር ምስኡን ምስ መሳርሕቱን ብቴሌፎን ተራኺቦም መፍትሒ ሽግሮም ዝኸውን ምኽሪ ንኽቕበሉ እውን ዘተባብዕ እዩ” ይብል። ንሱ ኣስዒቡ “እዚ ማለት ከምዚ ዓይነት መስመር ከም ዝተኸፍተ ዝሕብር መወዓውዒ ተገይሩ ብዙሓት ሰባት ናባና ክውሕዙ እዮም ማለት እዩ” ብምባል ይውስኽ።

ክኢላ ሶስዮሎጂ ዝኾነ ኣንድርያስ ሃንሰን ዝተባህለ መሳርሕቱ ብወገኑ ከምዚ ዓይነት መስመር ምህላው እቶም ዘቤታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ዝስምዖም ሕንከት ንኽንኪ እውን ሓጋዚ ከም ዝኸውን ይዛረብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com