Friday , March 29 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ሽወደን ዋሕዲ ፍቓድ ዘለዎም ተርጐምቲ ኣብያተ ፍርዲ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ሕጽረት ተርጐምቲ ኣብያተ ፍርዲ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝነበረ ሕጽረት ሰብሞያ ተርጉምቲ ኣብ ኦስተርሱንድ መስርሕ ፍርዲ ሓደ ዒራቓዊ ዳግማይ ክስየም ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ተርጐምቲ ኣብያተ ፍርዲ ምስ ጒዳያት ሕጊ ብዝተሓሓዝ ናይ ትርጒም ስራሕ ክህቡ ዝስልጥኑ ሰባት እዮም። ኣብዚ እዋን ንቋንቋ ኣፍጋንስታን ዝኾነ ዳሪ፡ ከምኡ’ውን ኩርዳዊ ቋንቋ ኩርማንጂን ካልእን  ዝኸውን ናይ ቤት ፍርዲ ተርጓማይ የለን።  ንተርጎምቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዝህብ ኤጀንሲ ሕጊ፡ ፋይናንስን ምምሕዳራዊን ኣገልግሎት ን P3 ኒውዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ጒዳይ ተወሳኺ ምህሮ ከም ዘድሊ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com