Thursday , April 25 2024
Lefteris Pitarakis/TT

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዊገርስ ካብ ቻይና ምክትታልን ምፍርራህን ይመጸና ኣሎ ይብሉ።

ካብቲ ህዳጣን(ውሑዳን) ጉጅለ ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ካልኦት ህዝቢ ዊገርን ውድቡን ሓበሬታ ክእክቡ ጸቕጢ ክግበረሎም ምጽንሑ ገሊጾም።
ሬድዮ ሽወደን ንኣገልግሎት ጸጥታ ቻይና ንውክል ኢና ብዝብሉ ሰባት ዝተጻሕፉን ነቲ ክሲ ዘራጉዱን ናይ ኢመይልን ድምጺን ቅዳሓት ሰሚዓላ። ብመሰረት እዞም ሓበሬታታት እዞም ወኪላት ጸጥታ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ውጊራት ንስለያዊ ስራሕ ክምልምልን ነዚ ድማ ምፍርራሕን ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ከውርደሎም ምጽንሑን ተፈሊጡ።
ዳንኤል ስተንሊንግ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ክፍሊ ጸረ ስለያዊ ንጥፈታት እዩ። ንሱ ኣብ ንጽል ጉዳያት ዝረዝር ርእይቶ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቖጠበ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ብዕቱብ ከም ዝርእዮ ኣስሚሩሉ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com