Friday , March 29 2024

ኣብ ቡልጋርያ፡ ትምዩን ባጤራታት ተታሒዙ

ካብ ርእሲ ከተማ ቡልጋርያ፡ ሶፍያ፡ ናብ ምዕራብ ኤውሮፓዊት ሃገር፡ ዩክሬን፡ ክሰግር ተመዲቡ ዝነበረ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ትምዩን ባጤራታት፡ ብፖሊስ’ታ ሃገር ከምዝተታሕዘ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውሽጣዊ ጉዳይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ብቕዓት ዝተሰርሐ ትምዩን ባጤራታት፡ ካብቲ ናይ ብሓቂ ባጤራታት ክትፈልዮም ኣሸገርቲ ከምዝኾኑ ገይሮም ዝተሰንዑ እዮም። ዝተታሕዘ ባጤራታት፡ 4 ሚልዮን ዶላርን ከምኡ ድማ 3.6 ሚልዮን ዩሮን ምንባሮም፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ብምውህሃድ ፖሊስ ቡልጋያን፡ ዩሮፖልን ስለያ ኣሜሪካን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፡ መስርሒ ትምዩን ባጤራታት ዝኸውን ማሽናትን ወረቓቕትን ከምዝተታሕዘን ከምኡ ውን፡ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com