Thursday , April 25 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT kod 10030

ኣብ ባጀት ጽድያ ተወሳኺ ገንዘብ ንምክልኻልን ጡረተኛታትን ክምደብ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ነቲ ትማል ሰሉስ ዝቐረበ ባጀት ጽድያ ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ ይግለጽ ኣሎ። ንምቕባል ስደተኛታት፡ ምክልኻል ሲቪላውያን ከምኡውን ንድኻታት ጡረተኛታት ተባሂሉ ተወሳኺ ባጀት ተመዲቡ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ዞባታት ዝያዳ ነርስታት መታን ክቖጽራ ተባሂሉ ንክንክን ጥዕና ተወሳኺ በጀት ተሰሊዑ’ሎ። እንተኾነ ግና ሕዳጣን መንግስቲ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ውጥናቱ ኣብ ባይቶ ንኸይጸድቕ ዓብዪ ብድሆ ገጢምዎ ምህላዉ ተንታኒ ፖለቲካዊ ጒዳያት ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com