Saturday , April 20 2024
Marcus Ericsson/TT

ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝሰርሑ ኣሽሓት ቁጹራት ናይ ምብራር ስግኣት ኣለዎም ተባሂሉ።

ኣልኮምፒስ – ስቶክሆልም : ቤትጽሕፈት ዕዮ ብውሽጣዊ ሴርኩላር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክእለዩ ተኽእሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ከምኡውን ባጀት ዓቃባዊ ሰልፊ እንተጸዲቑ ስምምዕ እተበጽሓሎም ፕሮግራማት ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣልኮምፒስ ምፍላጡ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሴርኩላር ባጀት ሰልፊ እንተጸዲቑ እቲ ቤትጽሕፈት ነቶም ዝኣተዎም ናይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ውዕላት ክስርዝ ተኽእሎ ኣሎ።

ባይቶ ሽወደን ሎሚ ቀትሪ ኣብ ባጀት 2019 ድምጺ ክህብ እዩ። እዚ ባጀት ክርስትያን ዲሞክራትን ዓቃባዊ ሰልፍን ብልፍንቲ ዘቕረብዎ እዩ።

ደገፍ ሰልፊታት ዴሳዊ ዴሞክራስያዊን ኣካባብያዊን ድማ ረኺቡ’ሎ።

እዞም ሰልፊ ኣብ መርገጺኦም ናይ መወዳእታ ምብታኽ ከይበጽሑ እናሃለዉ እዘን ጥሙራት ሰልፊታት ንቅርጺ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ክልውጥዎ ምዃኖም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com