Saturday , April 20 2024
Credit: Jessica Gow/TT Nyhetsbyrån

ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ግርጭታት ጒጅለታት ገበን ክኽሰት ተኽእሎ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ማእሰርቲታት ሽወደን ዘሎ ኲነታት ጸጥታ ዳግማይ ክምርመርን ክግምገምን ከም ዝግብኦ ዳይረክተር ጀነራል “ኣገልግሎት
ማእሰርቲን ኣመክሮን ሽወደን” ማርቲን ሃንግሪዮን፡ ኣተሓሳሲቡ። ብፍላይ ድማ መንግስቲ ን ኣባልነት ጒጅለታት ገበን ኣመልኪቱ
ድሕሪ ዘውጽኦ እማመ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ክኽሰሱ ብኡ’ቢሎም ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክእሰሩን ከም ዝኽእሉ ምኽንያት
ብምግባር እዩ እዚ ሻቕላ ተፈጢሩ’ሎ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ናብ ቤት ማእሰርቲ ይኣትዉ ብምህላዎም፡ ኣብ
ኣብያተ ማእሰርቲ እውን ካልእ ናይ ገበን መርበብ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ኣቐልቂሉ’ሎ።
“ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲን ኣመክሮን” ነዚ ንምክልኻል እሱራት ብኸመይ ኣብ ሼላታት ክመቓርሑ ኣለዎም ዝብል ጸቕጢ ከም
ዘለዎ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ። በዚ ድማ ኣባላት ዝተፈላለያ ጒጅለታት ኣብ ሓደ ከይራኸቡ ንምግባር ይሰራሓሉ ምህላዉ
ሃንግርዮን ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።
እዚ እናኾነ ብሰንኪ ብዝሒ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ነበር፡ ቤት ማአርቲታት መሊአን ካልእ ሽግር ተፈጢሩ ምህላዉ ኣብ ሶደርታልየ
ሓላፊ “ኣብያተ ማእሰርቲ ልዑል ሓለዋ” ኢዮ መሊንዳ ኣተሓሳሲቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com