Friday , March 29 2024

ኣብ ብሪጣንያ ብ ኤችኣይቪ ተለኺፉ ዝንበረ ሰብኣይ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣንያ ብ ኤችኣይቪ ተለኺፉ ዝንበረ ሰብኣይ ካብ ኣንጉዕ ኣዕጽምቲ ናይ ካልእ ተጻዋርነት እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ፈርዒ ዋህዮ (ስቴም ሴል) ምቕያር ድሕሪ ምግባሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ’ውን ካልእ ሰብ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ይፍለጥ።

ተመራመርቲ ዋላኳ ፈውሲቲ ቫይረስ ኣይርከቡ ኣብ ቀረባ እዋን ንኤችኣይቪ ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ ዝእምት እዩ ክብሉ ዶክተራት ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ መላእ ዓለም ዛጊት 37 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም እተልኽፉ ዝፍለጥ ኮይኑ 35 ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ድሕሪ ምርካብ እቲ ቫይረስ ካብ 1980ን ጀሚሮም ምሟቶም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com