Thursday , April 18 2024

ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ኖርወይ ብርቱዕ ዝናብ ክህሉ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ከባቢታት ኡስታፍየላስ ከምኡ’ውን ሮጋላንድ ብርቱዕ ዝናብ ክሃርም ክሃርም ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ክሳብ ጽባሕ ድማ ኣብ ትሩንድላግ ከምኡውን ኖርድላንድ ተመሳሳሊ ኲነታት ክህሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“ካብ ትማል ሰኑይ ምሸት ኣትሒዙ ኣብ ኡስፎልድ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዝተረፈ ምብራቕ ኖርወይን ኣግደርን ብርቱዕ ዝናብ ክህሉ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎ። መጠን ጻዕቂ ዝናብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ይኽእል እዩ፡ እቲ ኲነታት ኣየር እውን ክቀያየር ይኽእል እዩ” ድሕሪ ምባል ማእከል ሜትሮሎጂ ኖርወይ (Yr) ብጫ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ኣወጺኡ’ሎ።

ኣብዘን ቦታታት ኣብ ሰዓት ካብ 15 ክሳብ 30 ሚሜ ዝናብ ክሃርም እዩ። በዚ ድማ፡ ተቐማጦ እዘን ዞባታት ካብ ብርቱዕ ዋሕዚ ማይ ዘለዎ ጸዳፍ ከባቢታ ክእለዩ፡ ፍጥነት መኪናኦም ድማ ምስ ጽርግያን ኲነታት ኣየርን ከስተኻኽሉ፡ እቲ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ለበዋኡ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com