Saturday , April 20 2024
SVT

ኣብ ብዙሓት ጫካታት ሽወደን ባርዕ ሓዊ ተኸሲቱ።

ትማል ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ደቡባዊ ሽወደን ባርዕ ሓዊ ከም እተኸስተን ናብ Götalandን Svealandን ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ብምኽንያት ዓሚ ዝተኣከበ ኣቚጽልትን ንቁጽ ሳዕርን ባርዕ ጫካ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት TT ብረቡዕ ዘውጽኦ ጸብጻብ መጥፋእቲ ሓዊ ምሉእ ለይቲ ነቲ ሓዊ ከይላባዕን ንምጥፋእን ክቈጻጸሩ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ካብ Hästveda ወጻኢ ኣውራጃ Hässleholm ኣርባዕተ ስድራ ሓዊ ብምብርዑ ካብ ቤቶም ከም ዝወጹም ኣብ ጥቓኦም ናብ ዝርከብ ዕቦላት ከም እተጸግዑን ተፈሊጡ።

ነበርቲ እቲ ቦታ ከም ዝበልዎ ብዙሓት መካይን መጥፋእቲ ሓዊን ሄሊኮፕተራትን ትርዋፊረን ኣለዋ። ነበርቲ ägersborg, Björkeberga, Torstorp, Skyttabodaን ካብ ከባቢኦም ክግዕዙ
ከኣ ድሮ ጻውዒት ተጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com