Thursday , April 25 2024
Hasse Holmberg / TT

ኣብ ቨሊንግ ንልመና ዝምልከት ውሳነ ተመሓላሊፉ ።

 

እዚ መልእኽቲ ዝመጸ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ምምሕዳር እዩ።”ኣነ ብርግጽ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኣብ መላእ ሽወደን እዚ ጉዳይ ዓቢ ቆላሕታ ክስሕብ ጸኒሑ’ዩ። ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ብኣንክሮ እየን ከክታተለኦ ጸኒሐን።” ትብል ኣደመንበር ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ካሪና ዉዝለር።

ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ኣብ ሓሙሽተ ውሱናት እተመልከታ ከባቢታት ጥራይ ልመና ፈቒዱ።

እዚ ውሳነ ፍትሓዊ እዩ ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ኣሰሩ ክስዕባ ውን ከተባብዕ ይኽእል እዩ ኢላ ወሲኻ ተዛሪባ።ካብ ሎሚ ጀሚሩ እዚ ውሳነ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ካብ ሎምመዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ናይ መጀመርታ ዝኾነ ቅዩድ ፍቓድ ልመና ኣብ ቨሊንግ ክህሉ እዩ ትብል ካሪና ዉዝለር።ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ነቲ ነበርቲ ብዙሕ ዘይፈትውዎ ናይ ልመና ስራሕ ቅዩድ ሕጋውነት ክለብስ ጌሩ ኣሎ።

ነበርቲ ከተማ ልመና ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ሸመታ ብዙሕ ከም ዘይፈትዉዎ እዩ ዝፍለጥ። ብዘይካዚ ለማኖ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብምሻንን ግዕዘይ ብምስንዳዎምን ብዙሕ እዮም ዝማረሩ።ኣብ 2018 ልመና ኣብ ሽወደን ቦታ የብሉን ዝብል እምነት ኣሎና፡ ንድኽነት ብኻልእ ሜላ ክንዋግኦ ኢና። ኣብ ዓዶም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ትብል ካሪና ዉዝለር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ መምህር ሶሻል ወርክስ ፕሮፌሰር ሃንስ ስዋርድ ግና ነቲ ውሳኔ ነቒፍዎ።

ርግጽ’ዩ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ጸገም ብቐሊሉ ክንርእዮ ከኽእለና’ዩ። እንተኾን ግና ነዚ ሎሚሎሚ ዝርአ ዘሎ መሰረታዊ ሰበብ ድኽነትን ምምንማን ዓቕሚን ኣወሮጳ ክፈትሕ ኣይክእልን እዩ” ድማ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሽውደን ስቲቫን ሉቨን ኣብ መልእኽቱ ነዚ ውሳነ ኣዎንታዊ እዩ ኢልዎ።ንሱ ኣብ መልእኽቱ እዚ ጒዳይ በቲ ዝለዓለ ጽፍሒ በዓልመዚ ውሳነ ምርካቡ ጽቡቕ እዩ።

በዚ ድማ ናብ ሓድሽ ትግባረ ንኣቱ ዘለና ንመስል። እዚ ንዓና ይኹን ንምምሕዳር ከተማታት ግልጺ ይመስለኒ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com