Thursday , April 25 2024
Stina Stjernkvist/TT

ኣብ ተንስታ ስቶክሆልም ብቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ክልተ ቆሲሎም

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆም ትርከብ ተንስታ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ዝተከፍተ ቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ካልእ ክለተ ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ከምዘለዉ  ፖሊስ ከተማ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ።

ብመስረት ሓበሬታ ፖሊስ ናይ ሓደጋ ደዊል ልክዕ ሰዓት 21፡46 ኣብ ዝበጽሖም  ኣብ ከባቢ ተንስታ ሰንትሩም ክልተ ሰባት ብጥይት ዝቆሰሉ ክረኽቡ ከለው እቲ ሳልሳይ ግን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ሓደ ገዛ ሞይቱ ከምዝረኸብዎ ገሊጾም። ኩሎም እዞም ግዳያት ደቂ 20 ዓመት ከምዝኾኑ ዝገለጸ ፖሊስ እቶም ዝቖሰሉ ንሂወት ዘስግእ ማህረምቲ ከምዘይብሎም ገሊጾም። ስጋብ ሕጂ ዝኾነ ጡርጡር ከምዘይተረኽበን  ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዓይኒ መስኻኽር ግን እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሰባት ብ ሞተር ሳይክል ካብቲ ከባቢ ከምዝተሰወሩ ዝብል ሓበሬታ ከምዝረኸብ እዩ ፖሊስ ዝሕብር ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com