Friday , March 29 2024
Martina Holmberg / TT

ኣብ ትሕቲ ዓራትካ ደቂሱ ዝሕርንኽ ሰብ ምስ ዝጸንሓካ እንታይ ትገብር።

ኣብ Ronneby ንብሕቱ ዝቕመጥ ሰብኣይ ዘይልሙድ ድምጺ ምሕርናኽ ሰሚዑ ይበራበር።

ትሕቲ ዓራቱ ግንጽል ምስ ኣበለ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብ ደቂሱ ከም ዝረኸበ ጋዜጣ Bleking County ጸብጺባ።

እቲ በዓልቤት ነቲ ጠሓሲ ኣየበራበሮን። ድቃሱ እናቐጸለ እናሃለወ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎ ጌሩ’ሎ።

“መን እዩ ኣይፈለጥናን፡ ተሓቲቱ’ውን መልሲ ክህበና ፍቓደኛ ኣይኮነን” ይብል ኣብ መደበር ፖሊስ Bleking ቀንዲ መርማሪ ፖሊስ Magnus Hansson.

ኣዚ ኲነታት ምስ ዘቤታዊ ገበን ዝምደብ እዩ። እዚ ሰብኣይ ምስ ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ምጥሓስ ሕጊ ፈጺሙ ተባሂሉ ከም ዝጥርጥር እውን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com