Wednesday , April 24 2024
Ben Curtis/TT

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 21 ሰባት ሞይቶም።

ሶማላውያን ዕጡቓት ናብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ብውሑዱ 21 ሰባት ከም ዝቐተሉ መንግስቲ ምርግጋጹ ገሊጹ።

ኣማኢት ሰባት ካኣ ካብቲ ደማዊ መጥቃዕቲ ንምህዳም ብሰሉስ ናብ ዱሲት ቱ ሆቴልን ናይ ንግዲ ህንጻን ከም እተዓቚቡ ተፈሊጡ’ሎ።

28 መቚሰልቲ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም 19 ግና ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ገሊጹ’ሎ።

ሶማል ዝደጀኑ ሶማላዊ እስላማዊ ጒጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ ናይ 19 ሰዓታት ስርሒት ጸጥታ ንኽካየድ ቀሲቡ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ እቲ ከበባ 5 ካብዞም ዕጡቓት ጀሃድ ምስ ተቐትሉ ከም ዘብቅዐ ኣብሪሁ። ኬንያ ናይ ኣልሸባብ ዕላማ መጥቃዕቲ ካብ ትኸውን ኣይወሓዳን።

ኬንያ ብሕዳር 2011, ጂሃዳዊ ጒጅለ ኣልሸባብ ካብ እትልእኽ ንደሓር ብዙሕ ህይወት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲታት ኣልሸባብ ተፈጺምዋ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com