Saturday , April 20 2024
(AP Photo/John McConnico)

ኣብ ኖርወይ ዝሕል ዝበለ ክሊማ ክህሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት ኖርወይ፡ ሃሩርን ጸሓይን ዝመልአን መዓልታት ተወዲአን፡ ሕጂ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝሕል ዝበለ ክሊማ ክስዕብ እዩ ዝብል ትንቢት ምህላዉ ተገሊጹ።

“ኣብዚ ሰሙን ዛሕሊ ክወርድ እዩ። ሰሜን ስታድ ግና፡ ምዝሓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህርያት ወቕቲ ዊንተር እውን ከርኢ እዩ” ክብል yr.no ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሰዲዱ’ሎ። እዚ ዝሑል ኲነታት ኣየር፡ ንገለ ግዜያት ክጸንሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኖርወይ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታታት ተመሓላሊፎም ኣለዉ። “ብርትዕ ዝበሉ ንፋሳት ሰሜናዊ ምዕራብን ውርጪን ክወርዱን ኣብ ፊንማርክ ድማ ኣብ ሰሉሰ-ረቡዕ ማዕበል ውርጪ ክኽሰት ይኽእል እዩ” ዝብል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቃልዕ ገማግም ኣብ ልዕሊ ዘለዋ መራኽብ ፊንማርክ፡ ከምኡውን ኖርዝ ትሮምስ፡ መጠነኛ በረድ ክህሉ እዩ— ብመሰረት እቲ ትንበያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com