Thursday , April 18 2024

ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሕብረጾታውያን LGBT ማእከል ተኸፊቱ

ሽወደናዊ ኣቀናባሪ ሙዚቃ ረይንቦው ራዮትስ፡ ፐተር ቫለንበርይን ብጾቱን ኣብ ኡጋንዳ ናይ መጀመርያ ማእከል ሕብረተጾታውያን ኪኽፍቱ መዲቦም ኣለዉ።

ሽሕኳ ካብ መንግስቲ ኡጋንዳ ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞም፡ እቲ ምኽፋት ግን ኣብዚ መጀመርያ ዓመትዚ ኪካየድ ኣዩ። ናይ ኡጋንዳ ሚኒስተር ስነምግባርን ርዝነትን፡ ሳይሞን ሎኮዶ፡ ኣብቲ ምስ ጋርድያን ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ ኣብ ኡጋንዳ ሕብረጾታውነት ከም ዘይፍቀድ ገሊጹ። ከም ገበን ከም ዚቝጸር እውን ሓቢሩ።

– ነዞም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዚወድቁ ዘለዉ ሰባት እንተ ዘይሓጊዝናዮም፡ ለውጢ ኣይክመጽእን እዩ። ስለዚ ኣነን ብጾተይን ክንቃለስ መዲብና ኣሎና፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ሰባት ድማ ህይወቶም ከነመሓይሸሎም ክንቃለስ ኢና፡ ይብል ፐተር ቫለንበርይ

እቲ ማእከል ኣብ ካምፓላ ኣብ ሓደ ስቱር ቦታ እዩ ኪኸውን ፡ ከም መዕቆቢ ሕብረጾታውያን ድማ ኪሰርሕ እዩ። እቲ ረይንቦው ራዮትስ ንሙዚቃን ንስነጥበብን ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዚፍጠር ጽልኢ ንምጥፋእ እዩ ዕላማኡ፡ ይብል ቫለንበርይ።

ንዓለም ብሓደ ለይቲ ክትልውጣ ኣይከኣልን፡ ግን ብዓቅምና፡ ኩሉ ሰብ ኪነብረላ ዚኽእል ዝሓሸት ዓለም ክንፈጥር ኢና፡ ይብል ፐተር ቫለንበርይ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com