Thursday , April 25 2024
ደገፍቲ ኦነግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስእሊ ዘለው ሰባት መስቲ ፍጻመ ምትእስሳር የብሎምን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እተኻየደ ናዕቢ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም

ኢትዮጵያ TT-Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እትፈጸመ ናዕቢ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም፡ ሓቢሩ ናይ ፖሊስ ማዕከን። እቲ መጥቃዕቲ ናብቶም ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ዚቕመጡ ውሑዳን ወይ ማይኖሪቲ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ገለ ተዓዘብቲ የብርሁ፡ እቲ ዓመጽ ወይ ህውከት ድማ በቶም መንእሰያት ኦሮሞ ከም እተበገሰ ይሕበር።

ብመሰረት ናይቲ መንግስታዊ ማዕከን ራድዮ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖረይት፡ ፖሊስ ኢትዮጵያ 200 ምስቲ ግጭት እተኣሳሰሩ ጥርጡራት ሒዙ ኣሎ።

እቲ ዕግርግር ብድሕርቲ ቅድሚ ሰሙን እተኻየደ ንኦነግ ንምቕባል እተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ተላዒሉ። እዚ ውድብዚ ንነዊሕ ግዜ ከም ጉጅለ ኣሸባሪ ተባሂሉ ተኸልኪሉ ነይሩ። ይኹንምበር እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ – ንርእሱ ኦሮሞ ዘርኢ ዘለዎ- ነቲ ጉጅለ ኣብዚ ዓመትዚ ካብቲ ዝርዝር ኣሸበርቲ ኣውጺኡዎ እዩ።

እዚ ረብሻዚ ኣቢይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመትዚ ናብ ስልጣን ካብ ዚድይብ ናብ ውሁዳን ጉጅለ ዝቐንዐ ዳሕረዋይ ፍጻመ እዩ።

ነቲ ንብዙሕ ክፋላት ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሃወኸ ዕግርግር ንምህዳእ ወትሃድራትን ናይ ረብሻ ፖላይስን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ናይ ኦነግ ደገፍቲ። እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ሰባት ምስቲ ፍጻመ ርክብ የብሎምን።.

TT ወኪል ዜና

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com