Friday , March 29 2024
Credit: FREDRIK PERSSON/TT Nyhetsbyrån

ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ዝርከቡ ቆልዑ ብዙሕ እዋን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ከም ዝዛወሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ከምኡ’ውን ኣባይቲ ክንክን ዝርከቡ ቆልዑ ብዙሕ እዋን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ክዛወሩ ምርኣይ ልሙድ
ምዃኑ “ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ሽወደን” ገሊጹ። ቆልዑ ካብ ሓደ ቤተ መናበዪ ወይ ክንክን ናብ ካልእ ብብዝሒ ክግዕዙ ምግባር
ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ብርክት ዝበሉ መጽናዕቲታት የመልክቱ። ዝበዝሐ ካብ ዕድመ ቊልዕነቶም ኣብ ኣባይቲ
ክንክን ዘሕልፉ በዚ ኣዝዮም ከም ዝህሰዩ መጽናዕቲ እቲ ቦርድ ሓቢሩ’ሎ። ሓደ ዕስሪት ካብቶም ኣብ ኣባይቲ መናበዪ
ከምኡ’ውን ኣባይቲ ክንክን ዝርከቡ ቆልዑ ብውሕዱ 10 ግዜ ቦታ ከም ዝቐያይሩ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com