Thursday , April 25 2024
Anders Wiklund/Berit Roald /TT

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ጎነጽ ብዕጽፊ ምዝያዱ ተገሊጹ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ንፍርራህ ጎነጽ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበሮ እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዝያዱ ኣሃዛት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣመልኪቶም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣስታት 450 ዝኾኑ ጸብጻባት ጎነጻዊ ምፍርራሃት ከም ዝነበሩን ሎሚ ናብ 900 ክብ ምባሉን ሓቢሩ።

መንግስቲ ነዞም ጸገማት ተሃድሶ ካሪክሉም ብምትእትታውን ተመሃሮ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግቡእ እውን ከም ዘለዎም ብምምሃር ከምኡ’ውን ጥዑይ ናይ ስራሕ ከባቢ ብምፍጣር ክቈጻጸሮም ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ንመምህሩ ዘፈራርህ ተመሃራይ ክስጐጒን ሞባይል ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽልከልን ዝብሉ ለበዋታት እውን ክትግበሩ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com