Thursday , March 28 2024

ኣብ ኣካዳሚ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ” ኣመና ኣሰልካዪ እዩ” ክብል ንጉስ ሽወደን ወቒሱ።

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭ መበል 16 ነቲ ሽልማት ኖቤል ስንጽሑፍ ንምልላይ ኣብ ኣካዳሚ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ” ኣመና ኣሰልካዪ እዩ” ክብል ወቒሱዎ።

ንሱ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት “ዕላል ምስ ንጉሳዊ ቤተሰብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰናዲ ፊልም ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል “እዚ ኣካዳሚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት ምህላዉ ዘሕዝን እዩ” ክብል ኣማሪርዎ።

ከምዚ ዝበለ ድኹም ተግባር ሃስያኡ ንባህሊ ሽወደን ጥራይ ኣይኮነን፡ ንባዕላ ሃገረ ሽወደን ውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ” ኢሉ።

ከምዚ ዝበለ ኣካዳሚ ኣብ ሽወደን ምህላዉ ከም ዓቢ ረብሓ ክጥመት ኔርዎ ክብል ወቒሱ ። ካብ ወቕቲ ኣየት ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብዛዕባ እዚ ኣካዳሚ ብዙሕ ኣዘራራቢ ጒዳያት ተራእዮም እዮም።

ብፍላይ ጾታዊ ክሲ መርዓ ሓደ ሰብኣይን ኣባል ናይቲ ኣካዳሚ ዝኾነት ሰበይቲን ብዙሕ ኣዘራራቢ ምንባሩ ይዝከር።

ሓሙሽተ ካብቶም 18 ኣባላት እዚ ኣካዳሚ እንተላይ ቀዋሚ ጸሓፊ ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም ኣለዉ።

ንጉስ ሽወደን ሓደስቲ ኣባላት መታን ክጽንበሩ ንምግባር ንሚስጥራዊ ሕጋጋት እቲ ኣካዳሚ ክልውጦ ምውሳኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com