Friday , March 29 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ኣብ ኣፕሳላ ሓደ ሰብ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብቐዳም ብጥይት ከም እተቐትለ ይንገር ኣሎ።

ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ናይ Slavsta ሓደጋ ቀዳም ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 23 እዮም ተነጊሮም.።

ኣብቲ ቦታ ምስበጽሑ ሓደ ኣብ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብጥይት ተወቒዑ ረኺቦም።

ብኣምቡላንሳ ናብ ኣካዳሚክ ሇስፒታል እኳ እንተተወስደ ህይወቱ ክድሕን ኣይከኣለን።

ፖሊስ ኣብቲ ቅትለት ኣፈናዊ መርመራ ጌሮም ኣለዉ። ዛጊት ዝተታሕዘ ይኹን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን።

“ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ናይ ዓይኒ ምውሰኻኽር ኔሮም ክኾኑ’ለዎም። ክስብ ንጹር ስእሊ እቲ ገበን እንረክብ ነዚ ጸሚቚና ክንጥቀመሉ ኢና” ትብል ፖሊስ Linda Videgård ።

እቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ተኸሊሉ ፖሊስ ምስ ብጾቶም ኣኽላባትን ሄሊኮፕተራትን ነቲ ቦታ ተወሳኺ ዳህሳስ ኣብ ምግባር ይርከቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com