Tuesday , April 23 2024
From 1 October, the person who is ill must present a medical certificate from day eight of the sick period. Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

ኣብ እዋን ለበዳ ክስራሓሎም ዝጸንሑ ናይ ካሕሳ ሕጋጋት፡ ከብቅዑ እዮም

ኣብ እዋን ለበዳ ክስራሓሎም ዝጸንሑ ናይ ካሕሳ ሕጋጋት፡ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ከብቅዑ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ፎርሸክሪንስካሳን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ግዝያውያን ንማሕበራዊ ውሕስነት ተባሂሎም ዝጸደቑ ሕግታት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ዝተሓገጉ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ፡ ምስፍሕፋስ ለበዳን መልከፍትን ንኸይዓቢ ተባሂሎም ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ንዝወጹ መምርሒታት ንምትግባር፡ ዝሕግዙ ዝነበሩ እዮም።

ኣብ እዋን ለበዳ፡ ቤት ጽሕፈት ፎርሸክሪንስካሳን፡ ንዝሓመሙ ሰራሕተኛታትን ወለዲ ናይ ዝሓመሙ ህጻናትን ብዝምልከት፡ ክሳብ 22 መዓልታት፡ ብዘይ ናይ ሓኪም ወረቐት፡ ደሞዞም ክኸፍል ምጽንሑ ይዝከር። ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ግን፡ እዚ ግዝያዊ ሕጊ ኣብቂዑ፡ ናብቲ ንቡር ኣገባብ መስርሕ ክምልለስ ምዃኑ፡ እዚ ድማ፡ ንዝሓመሙ ሰራሕተኛታትን ወለዲ ናይ ዝሓመሙ ህጻናትን ብዝምልከት፡ ክሳብ 8 መዓልታት ጥራይ፡ ብዘይ ናይ ሓኪም ወረቐት፡ ደሞዞም ክኸፍል ምዃኑ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com