Thursday , April 25 2024
Johan Nilsson/TT

ኣብ ከተማ ማልሞ ነታጊ ብምፍንጃሩ ንዋታዊ መጉዳእቲ ኣስዒቡ

ሎሚ መዓልቲ ንግሆ ኣብ ከተማ ማልሞ ኣብ ከባቢ Persborgstorgዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ነታጊ ብምፍንጃሩ ንዋታዊ መጉዳእቲ ኣስዒቡ።

ኣብቲ መእተዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ዝወረደ ዕንወት ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ደው ኢለን ዝነበራ መካይንውን መሳኹተን ከምዝተሰባበረን ተፈሊጡ።

ፖሊስ  እቲ ምፍንጃር ነታጊ ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ወጋሕታ ከምዘጋጠመን ዘውረዶ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘየለን ሓቢሮም።

ቴለቪዝን ስዊድን ከምዝሓበሮ ፖሊስ ክሳብ ሕጆ ሰበብ ናይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዘይፈልጡን ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣቀዲሙ ዝመጸ መጠንቀቅታ ከምዘይነበረን ገሊጾም።

ማትስ ኣቲን ካብ ፖሊስ ማልሞ ንቴለቪዝን ስዊድን ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ምፍንጃር ሓያል ከምዝነበረ ክኢላታት ኣምከንቲ ነታጔታት ከምዝሓበሩ ድሕሪ ምግላጽ ውጽ ኢት ምርመራ ዝበለጸ ሓበሬታ ክህቦም ምኻኑ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com