Saturday , April 20 2024
Islam Safwat/TT

ኣብ ካይሮ ብምፍንጃር ቦምብ ብውሑዱ 3 ሰባት ሞይቶም 10 ሰባት ድማ ቈሲሎም።

ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ምስሪ ካይሮ ኣብ መኪና ቱሪስት ናይ ቦምብ ምፍንጃር ሓደጋ ብምግጣሙ ብውሑዱ 3 ሰባት ሞይቶም 10 ሰባት ድማ ቈሲሊም ኣለዉ ክብል ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ።

እታ ኣወቶቡስ ኣብ ጎደና ተቐቢሩ ዝነበረ ቦምብ ድሕሪ ምርጋጻ እዩ እቲ ምንታጒ ዘጋጠመ። ብመሰረት ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ እቶም ግዳያት ቬትናማውያን በጻሕትን ናቶም ቱርጋይድን እዮም።

ኣብታ መኪና ብጠቕላላ 14 ቬትናማውያንን ዘዋር መኪና ወሲኽካ ክልተ ምስራውያን ኔሮም።

እቲ ምፍንጃር ኣብ ጂዛ ጥቓ ፒራሚዳት ድሕሪ ሰዓት 6 እዩ ኣጋጢሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com