Friday , April 19 2024
Bertil Ericson/TT

ኣብ ኲባንያ ፖስታ ኖርድ ዝሰርሕ መራሒ መኪና ኣብ ስርቂ ኣቕሑ ፖስታ ተዋፊሩ ምንባሩ ተፈሊጡ!!

ኣገልግሎት ፖስታ ኖርድ (Postnord) ሓደ ካብ ኣውቲስታታቱ ኣብ ስርቂ ኣቕሑ ፖስታ ተዋፊሩ ምንባሩ ምፍላጡ ጸብጺቡ። ብመሰረት ጋዜጣ ኣፍቶንብላዳት (aftonbladet)ፖሊስ ነዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዉዎ ሰብ ኣብ ምምርማር ይርከቡ።

ብዙሓት ሰባት ዝተላእከሎም ኣቕሓ ከም ዘይበጽሖም ከማርሩን ጥርዓን ከቕርቡን ምጽንሖም ይፍለጥ። ድሕሪዚ ፖሊስ ነቲ ኣውቲስታ ምሓዞምን ድሕሪ ምስጓጒ እዚ ሰራሕተኛ እዚ ናይ ስርቂ ተርእዮ ምጒዳሉን ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com