Friday , April 19 2024

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መሸጣ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ክብረ ወሰን ሴሩ ይበሃል ኣሎ

መሸጣ ናይ ኤለትሪክን ድቃልን (ብኤሌክትሪክን ብነዳድን ዝሰርሓ) ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ክብረ ወሰን ምሓዙ ቢል ሽወደን ዘዳለዎ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን 36% ካብተን ሓደስቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገባ መካይን ከምዝሽፍና ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቢል ሽወደን፡ ማርያስ በርግሰን፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓመት ናብ 30% ክጸሪ እዩ ዝብል ግምት ኣሎና ድማ ኢሉ።

ጠለብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ። እዘን መካይን ዝወሓደ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዘውጽኣ ኮይነን ንዕላማታት ክሊማ፡ ንምዕዋት ኣዝየን ወሰንቲ ምዃነን ኣስሚርሉ።

እዚ ወሰኽ፡ ኣብ ምሉእ ቃፍላይ ተሽከርከርቲ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑን፡ ዛጊት 3%  ካብተን ተሽከርከርቲ ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ምዃነን ተሓቢሩ። በንጻሩ መሸጣ መካይን ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር እንከሎ፡  ብ 4%  ከምዘንቆልቆለ ዝምልከቶም ወገናት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ምቁራጽ መሸጣ፡ ኣብ ግምት ብምእትው፡ ብሓፈሻ ወሰኽ ኣርእዩ ምህላዉ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

መሸጣ መካይን መዐቀኒ ሓፈሻዊ ድሕነት ዕዳጋ ጌርካ ከም ዝረአ ዝሓብረ ቢል ሽወደን ኣብዚ ዓመት ክሳብ 28 ሽሕ መካይን ክሽየጣ እየን ዝብል ግምት ከም ዘለዎ እውን  ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስቲ ናይ ዓሚ ኣሃዝ ማለት 700 ሽሕ እንክነጻጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com