Thursday , April 25 2024
Janerik Henriksson/TT

ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኣብ ዘየድሊ መፈንጠራ ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘሎ ተገሊጹ። 

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ሓደጋ ድኽነት ዘለዉን ጡረተኛታት ካብ 15% ናብ 23% ምዕባዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለምንታይ የጋጥም ምህላዉ ንምርዳእ ገና ከም አይተኻእለን ካብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።  ኣብ ሓደጋ ድኽነት ምእታው ማለት ካብ ማእከላይ ኣታዊ ትሕቲ 60% ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ኦለ ስተግረን ነዚ ናይ ቀረባ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ትሑት ኣታዊ ዘለዉ ሰባት መጠን ጡረታኦም ንኸመሓይሹ ተባሂሉ ዝተዳለወ መጻወድያ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com