Thursday , March 28 2024

ኣብ ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022: 32 ጋንታታት ጥራይ እዩ ከሳትፋ ተባሂሉ።

እብቲ ኣብ 2020 ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም 48 ዘይኮና 32 ጋንታታት ጥራይ እዩ ከሳትፋ ክብል ፊፋ ብረቡዕ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ካልኦት ሃገራት ንኽሳተፋ እቲ መሕቈፊ ክሰፍሕ እማመ ኣቕሪቡ’ሎ።

ብዘይካዚ ፊፋን ቐጠርን ናይ መካየዲ መሳለጥያን ህሉው ረቛሒታትን ብምቕያርን ተሳታፍነት ክዓብየሉ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኲነታት ዘትዮም ኣለዉ። ገለ ካብቲ ዕንቅፋታት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ቊርቊስ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ባሕሬንን ግብጽን ካብ 2017 ጀሚረን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዲፕሎማስያዊን እገዳ ጽዒነን ኣለዋ።

ብዘይካዚ ኣርባዕተ ሃገራት ንቐጠር ብምምዋል ግብረሽበራ ይኸሳኣ እየን። ቐጠር ነዚ ክሲ ኣሉታ እያ ትህበሉ።

እተን ጸግዐን ዝሓዛ ሃገራት ንኽሳተፋ እዚ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝተጻዕነ እገዳ ክለዓል ኣለዎ ክብል መጽናዕቲ ፊፋ ኣነልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com