Thursday , April 25 2024
ስእሊ Bertil Ericson / TT

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ዝናብ ክሃርም እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር ።

ትንበያ ኲነታት ኣየር ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ከም ዘመልክቶ ጣቓን ዝናብን ዝበዝሖ ስለዝኸውን ርችት ከይንሪኢ ንኽእል ኢና ክብል ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ገሊጹ።

እዚ ትጽቢት ናብታ መዓልቲ ሓዳስ ዓመት እናቐረብና ምስ እንመጽእ ዝያዳ እናነጸረ ከም ዝመጽእ ምናልባትውን ክቕየር ከም ዝኽእል እቲ ትካል ተዛሪቡሎ።

ኣብ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝናብ ክሃርም እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር እንተኾነ ክሳብ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ከርክብ ድዩ ኣየርክብን ርግጸኛ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ዝናብ ክሃርሞ እዩ ተባሂሉ ዘሎ ዞባ ጥቓ ኣርክቲክ ዘሎ ኮይኑ ናብ ሽወደን ገጹ ክግስግስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ኖርላንድ ዝናብ ክህሉ ይመስል ተባሂሉ’ሎ። እንተኾነ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ እታ ሃገር ዝናብ ከቋርጽ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com