Thursday , April 18 2024

ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ክቡር ሆቴል ተሃኒጹ

ሓደ ኮንራድ ዝተባህለ ናይ መጋየጺ ሆቴላት ትካል፡ ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓደ ለይቲ 50 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዘኽፍል በዓል ሓሙሽተ ኮኸብ ሆቴል ከምዝሃነጸ ኣፍሊጡ።

እዚ ሙራካ ዝተባህለ በዓል ክልተ ደርቢ ሆቴል፡ ባር፡ ናይ ውልቂ ጂምናዝየምን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተነጊርሉ ኣሎ።

ናሕሲ ናይቲ ሆቴል ድማ ልዕሊ ማይ ኮይኑ፡ ዓማዊል ነብሶም ፍትሕ ኣቢሎም ጸሓይ ዝጽለዉሉ እዩ።

ኣብቲ ሆቴል ካብ ኣርባዕተ መዓልታት ንዝውሕድ ግዜ ዓራት ምክራይ ዘይፍቀድ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ሆቴል ክዛናጋዕ መደብ ዘውጽአ ሰብ ብውሑዱ 200 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ክኸፍል ኣለዎ ማለት’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com