Friday , March 29 2024

ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ 30000 ሰባት ናይ ሽወደን ዜግነት የመልክቱ።

ኢመግረሽንስቨርከት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ ማለት ካብ ጥሪ ከሳብ ሚያዝያ 2019 ኣብ ዘሎ ግዝየ 30000 ሰባት ናይ ሽወደን ዜግነት ከምዘመልከቱን ካብዚኦም ድማ 5014 ዜግነት ከምዝወሰዱን ተገሊጹ።


ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ዜግነት ክፍሊ ተመልኪቱ ክፉት ዘሎ ጉዳያት ብዝሒ ድማ 87551 ምኻኑ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝተወሰኖሎም ጉዳያት እቶም 88 % ዜግነት ከምዝረኽቡ ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ናይ ጉዳይ ብዙሓት ነበርቲ ስዊድን ዝኾኑ ኢንግሊዛውያን ናይ ስዊድን ዜግነት ብብዝሒ የመልክቱ ምንባሮም ብዜና ተደጋጊሙ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com