Wednesday , April 24 2024
Foto: Johan-Mathias Sommarström/Sveriges Radio

ኣብ ዒራቕ ኣሽሓት ስድራቤታት ብግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ ተሓዪሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ነዞም ስድራቤታት ካብ ሕብረተሰብ ምንጻል ኣብኡ ንዝዓብዩ ቆልዑ ብፍላይ ግዳይ ብምግባር ኣሰር ኣቦታቶም ንኽስዕቡ ዝገብር እዩ ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ።

እዚ ንጥንታዊ ስርዓት ስፓርታ ዝመስል ጥቕጣቕ ሕጊታት ዝመልኦ ዶራን መዓስከር ጎማ መኪና ዘንከባልሉ ህጻናት ብመሽጐራጉር ቴንዳታት ሕልኽልኽ ክብሉ ብብዝሒ ይረኣዩሉ።

ብዙሓት ካብዚኣቶም ሓመድ ዝመስሉ ኮይኖም ቈርበቶም ዝሓፈወ እዩ።

ነበርቱ ካብ ቀጽሪ መዓስከር ተወዝ ክብሉ፡ ሰብ ክበጽሖም ይኹን ሞባይል ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

እዚኦም ስደራቤት ዳዕሽ እዮም። ኢናዝ ሓንቲ ካብዚኣቶም እያ። ካብዚ ዝኸፍእ የለን። ብሕማቕ እዮም ዝሕዙና፡ ደቀንስትዮ ከም ኣመናዝር ኢና ንሕሰብ።

“ምስ ዳዕሽ እንተ ንቢርኪ ነዚ ሕብረተሰብ ቫይረስ ኢኺ” ይብሉና። “እንታይ ኢናሞ ክንገብር?” ብምባል ተማርር።

ሓዋ ዓስከር ዳዕሽ እዩ። ንሳን ስድርኣን ሓይልታት መንግስቲ ዒራቕ ጸረ-መጥቃዕቲ ክወስዱ ምስ ጀመሩ ሃዲሞም። ሓዋ ግና ክሳብ ሽዑ ምስ ዳዕሽ እዩ ኔሩ።

እቶም ቆልዑ ሰራዊት ዳዕሽ ኲነታቶም ካብተን ኣንስቲ ዝሓሸ እኳ እንተኾነ በዚ ኣተዓባብያ ግና መጻኢኦም ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ሰባት ዘለዎም ፍርሂ ይገልጹ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com