Thursday , April 25 2024
Foto : Marcus Ericsson/TT

ኣብ ዓመተ 2018 ኤርትራውያን 91% ኢትዮጵያውያን 37% መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም።

ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ስዊድን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራውያን 91% መንበሪ ፍቃድ ክወሃቦም ከሎ ኢትዮጵያውያን ድማ 37% ዑቕባ ከምዝተወሃቦም በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ብዓል መዚ ከምዝሓበሮ ኣብ ዓመተ 2018 ጠቕላላ ናይ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ቁጽሪ 1051 ክኸውን እንከሎ ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዑቕባ ድማ 656 ምንባሩ ተፈሊጡ።

ምንጪ: migrationsverket

ካብዞም ዑቕባ ዝሐተቱ ሰባት 790 ኤርትራውያን ፍቓዶም ክወሃቦም እንከሎ 210 ኢትዮጵያውያን ድማ ፍቓዶም ከምዝወሰዱ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com