Friday , March 29 2024

ኣብ ዓመተ 2020 ዝተዓደሉ ብዝሒ መንበሪ ፍቓድ ወረቕትን ሽወደናዊ ዜግነትን

ኣብ ዓመተ 2020፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 88,814 መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝሃበ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝተዋሃበ ብዝሒ ፍቓድ ብ25% ( 29099) ምጉዳሉ ተፈሊጡ።

ካብዞም ዝተዋህቡ ፍቓድ፡ እቶም 32379 ናይ ስራሕ ፍቓድ፡ 29468 ፍቓድ ምጥርናፍ ስድራቤትን 7189 ድማ ፍቓድ ዑቕባ ነይሮም።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንመጀምርያ እዋን ክሳብ 12,991 ዝበጽሕ ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ከምተቐበለ ይዝከር።

ለበዳ ኮሮና፡ ቀንዲ ምኽንያት ዋሕዲ ምዕዳል ፍቓድ ምንባሩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ሚካኤል ሪቢንፊክ፡ ገሊጹ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዓመተ 2020 ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ሰባት ምስቲ ናይ ዓመተ 2019 ብምንጽጻር፡ ብ41% ብምጉዳሉ እቲ ብዝሒ ክሳብ 12991 ምንባሩ ተሓቢሩ። እቶም ዝበዝሑ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ሰባት፡ ካብ ሃገራት ሶርያ፡ ኡዝበኪስታንን ዒራቕን ዝመጹ ነይሮም። 500 ብዘይ ስድራቤቶም ዝመጹ ህጻናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕቶ ዑቕባ ዝሓተቱ ምንባሮም ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ቁጽሪ፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብ45% ከምዝጎደለ ይፍለጥ። ካብዞም ዝመጹ ህጻናት፡ እቶም 65% ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልን ሞሮኮን ዝመጹ እዮም።

ለበዳ ኮሮና፡ ንቁጽሪ ናይቶም ሕቶኦም ተነጺጉ ናብቲ ዝመጽዎ ሃገር ክምለሱ ዝግበኦም ዝነበረ ሰባት ከምዘውሓደ በዚ መሰረት፡ 6676 ሰባት ብድልየቶም ከምተመልሱ ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ 2020፡ ቁጽሪ ናይቶም ሽወደናዊ ዜግነት ዝረኸቡ ሰባት 68,079 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ ቁጽሪ 64,944 ምንባሩ ይዝከር።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com