Tuesday , April 23 2024
STOCKHOLM 20180725 Justitiedepartementet, socialdepartementet, arbetsmarknadsdepartementet och förvaltningsavdelningen vid Rosenbad. Foto: Stina Stjernkvist / TT / kod 11610

ኣብ ዘይተረኽብሉ መጋባእያታት፡ ዝተፈርዱ ሰባት ከምዘለዉ፡ ተገሊጹ

ኣስታት 700 ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ስለዘየለዉ፡ ኣብ ዘይተረኽብሉ መጋባእያታት ንማእሰርቲ ከምዝተፈርዱ፡ ንጸብጻባት  SVT ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብዙሓት ገበን ፈጺሞም ንማእሰርቲ ዝተፈርዱ ሰባት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንብዙሕ እዋናት እንተድኣ ጸኒሖም፡ ናብ ሽወደን ምስ ተመልሱ፡ እቲ ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ፡ ከምዝተርፍ እዩ ዝፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ዘሎ ስርዓተ ሕጊ፡ ዳግመ ግምት ክገብረ ወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ስርዓተ ሕጊ ብዝምልከት፡ ለውጢ ክገብር ተበጊሱ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ን SVT ሓቢሩ።

ዓቃባውያን ሰልፍታት ሽወደን፡ ነዞም ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀሙ ገበነኛታት፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ተወሳኺ ማእሰርቲ ክብየነሎም ብምባል፡ ዝተረረ ስጉምቲ ክውሰደሎም ጸዊዐን ኣለዋ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com