Thursday , April 25 2024
(AP Photo/Ghaith Alsayed) kod 436

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኖርወይ 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። –ሶርያ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኖርወይ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። ሶርያ ብተኸታታሊ ንሻድሻይ ግዜ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ ተባሂሉ። እዚ መጠን ረድኤት ምስ ናይ ዓመተ 2020 እንክወዳደር ናይ 600 ሚልዮን ክሮና ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።

50% ካብዚ ረድኤት (ኣስታት 20 ቢልዮን ክሮና ኣቢሉ) ብ Norad ዝተዋህበ ኮይኑ፡ 32% (13 ቢልዮን ክሮና) ኣብ ኦስሎ ካብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ፡ ዝተረፈ መጠን ድማ ኣብ ዝምዕብላ ሃገራት ብዘለዋ ኤምባሲታትን ሚኒስትሪ ክሊማን ኣከባቢን እዩ ተሸፊኑ። ካብዚ ረድኤት ብብዝሒ ዝረብሓ ትካላት፡ ሽርክነት ክትባት GAVI፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይን እቶም ቀንዲ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2021 ዝነበረ መጠን ዝወሃብ ሓገዝ ጥዕና ኖርወይ፡ ዝለዓለ ምንባሩ ዘመልከተ ኖርወይ ኦንላይን፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ለበዳ ኮሮና ምንባሩ ወሲኹ ኣረዲኡ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com