Wednesday , April 24 2024
Foto: Johan Nilsson / TT kod 50090

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኖርወይ ዝወሓደ ስርቂን ገበን ዕጸፋርስን ከም እተኸስተ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስን በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊን ብጠቕላላ 278,800 ገበናት ምምዝጋቦም ተገሊጹ። እዚ ምስታ ዝሓለፈት ዓመት ዝነበረ መጠን ገበን እንክወዳደር ብ 7% ከም ዝውሕድ እቶም ሰብመዚ ኣመልኪቶም።

ብፍላይ ምስ ዕጸፋርስ እተተሓሓዙ ገበናት፡ ብሲሶ ጎዲሎም ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ወርሓ ሚያዝያ፡ ን ምውናን ዕጸፋርስ ኣመልኪቶም ፖሊስ ስጒምቲ ክወስዱ ዋና ኣኽባር ሕጊ ድሕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ቊጽሪ ገበን ምንቊልቋል ከርኢ ምጽንሑ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ።

ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ትሕቲ 1000 ገበናት ይፍጸሙ ምንባሮም፡ ድሕሪኡ ግና እዚ ገበናት ብፍርቂ ምጒዳሉ ካብ ስታኢስቲክስ ኖርወይ እተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ። ብዘይካዚ ገበን ስርቂ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ብ 9% ክጐድል እንከሎ፡ ዝበዝሐ ካብዚ 3000 ዝግመት ገበን ስርቂ ብሽክለታ ምንባሩ፡ እቲ ኣሃዝ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com