Wednesday , April 24 2024
(AP Photo/Francisco Seco) FS103

ኣብ ዝመጻ መዓልታት ቅልውላው ዩክሬይን ክጋደድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዩክሬይን መሊሱ ከም ዝጋደድ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሀንስ ስቶለንበርግ ኣጠንቂቑ።

“ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን እናበዝሐ እኳ እንተመጸ ህዝቢ ዩክሬይን ብጽንዓትን ትብዓትን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እዚ ኲነታት ኣዝዩ ክብእስ ይኽእል እዩ” ክብል ስቶለንበርግ ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቬልት ኣም ሶንታግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ቪላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ኣቢሉ ኲሎም ሓይልታቱ ካብቲ ቦታ ንኽስሕብን ናብ ዲፕሎማሲ ክምለስን ዝጸውዐ ስቶለንበርግ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ዩክሬይን ስነህይወታዊ ኣጽዋር ዘማዕብል ቤተፈተነታት ኣለዋ ዝብል ብሩስያ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

“ሩስያ ነዚ ኲምራ ሓሶት ኣመሳሚሳ ከሚካላዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ትዳሎ ከይትህሉ ክንጥንቀቕ ኣሎና” ክብል ስቶለንበርግ ምግላጹ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ’ላ።

ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን በራራ ዝእግድ ውሳነ ክመሓላለፍ ብተደጋጋሚ እኳ ክትሓትት እንተጸንሐት ስቶለንበርግ እዚ ምግባር ማለት ኣብ መንጎ ኔቶን ሩስያን ቀጥታዊ ጎነጽ ምዕዳም ስለዝኸውን እዚ ክትግበር ዘይምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ።

“ኔቶ ናይ ምክልኻል ጥምረት እዩ፡ ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ክንኣቱ ኣይንደልን ኢና” ኢሉ’ሎ ስቶለንበርግ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com