Thursday , March 28 2024
Henrik Montgomery/TT

“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ


“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ክብል ናብ ኩሎም ኣባላት ኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ  ኣጠንቂቑ:: ቅዳሕ ናይቲ ደብዳቤ እውን  ናብ ማዕከን ዜና ቲቲ በጺሑ ኣሎ። 

ብተወሳኺ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዋይ ምፍሳስ ቦርድ ስደተኛታት ኣብ 2019 ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሰጒጉ ኣብ 2020 ክመልሶም እዩ ብምባል ነዚ ፍጹም ስጊንጥር ዝበሎ ተርእዮ ኣልዒሉ ኣጠንቂቑ።

ሚካኤል ሪበንቪክ “ውሳነ እዚ ባጀት ናይ ሓጋጊ ኣካል ሃቐና ክኸውን ኣይክእልን እዩ ” ክብል ጽሒፉ።

ስዊድሽ ዴሞክራትስ ንለዘብተኛ ን ክርስትያን ዴሞክራትስን ባጀት ድምጺ ሂቡ እዩ። እዚ ማለት ንዓመታ 1.1 ቢልዮን ክሮነር ናብ ቦርድ ስደተኛታት ኣታዊ ኪኸውን እዩ ማለት እዩ።

“ቦርድ ስደተኛታት ብመሰረት ጸብጻቡን ምስ ኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ዝገበሮ ርክብን ብዙሕ ምጒዳል ፍሰስ ባጀት ክህሉ ዝኽእል ምዃኑ ኢኻ ገሊጽካ።

እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን” ብምባል ኣባላት ባይቶ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ብሓሙስ ገሊጾም።ሚካኤል ሪበንቪክ ኣብ ደብዳቤኡ ኣዝዩ ቁጡብ ምወላ ኣብ ዓመታት 2018–2021 ናይ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ወሰኽ ዋጋ ክገብር’ ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ይገልጽ ።

እቲ ዳይረክተር ጀነራል ንኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ እኹል ምወላ ንኽወሃቦ ኣብዚ ዓመት ክኣ ንኹሉ ዕቑር ንዋይ ክጥቀመሉ ተላብዩ’ሎ።

ብተወሳኺ ቦርድ ስደተኛታት ብርክት ዝበለ ለውጢታት (እንተላይ ምጒዳል ኣባላት ስታፍ) ምግባሩ ኣብ ውሽጢ ዓመት ጥራይ ቊጽሪ ሰራሕተኛታት ካብ 9000 ናብ 6000 ምጒዳሉን ገሊጹ።

ቲቲ ናብ ለዘብተኛ ኣቦመንበር ኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ጆን ፎርሰል ንምርካብ ዝገበርቶ ፈተነ ውጺ ኢት ኣይሃበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com