Friday , April 19 2024
Hörberg/Rithuset / Handout / kod 10500

ኣብ ዮተበሪ ገለ ውሱን ወሰኽ ኮቪድ ተራእዩ።

ኣብ ዮተበሪ፡ ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ ምጡን ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ። ነዚ ወሰኽ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ፡ BA.5 ዝተባህለ ጅር ምዃኑ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝወጸ መግለጺ የመልክት። እታ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ሰሰሙን ካብታ ከተማ ዝወጽእ ፈሳሲ ጎሓፍ ክትምርምር ምጽንሓ ገሊጻ’ላ።

“ቊሩብ ኣገሪሙኒ’ሎ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ካብ ኣውሮጳ ዝመጸ ጸብጻብ ሰሚዕና’ለና። እቲ ዝኸውን ዝመጽእ ሰሙን ክንርእዮ ኢና፡ ብወገነይ እዞም ኣሃዛት ክወርዱ ተስፋ’ለኒ” ክትብል፡ ኣብ ዮተበሪ ክፍሊ ባዮመዲሲን ሄለን ኖርደር፡ ን ሬድዮ ፒ 4 ዮተበሪ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com