Friday , April 19 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ክልተ መንእሰያት ብጥይት ተቐቲሎም።

ትማል ምሸት ክልተ ኣብ ዕስራታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ከተማ Helsingborg ብዘጋጠመ ተዂሲ ምሟቶም ተገሊጹ።

“ኣብዚ ግዜዚ ምንም ብጠርጠራ ዝሓዝናዮ ሰብ የብልናን….ዝሓዝናዮ ሰብ’ውን የለን” ትብል ኣፈኛ ፖሊስ ኤቨሊና ኦልሶን።

ፖሊስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዮም ብዛዕባቲ ጒዳይ ጻውዒት በጺሕዎም። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ክልተ ሰባት ብጽኑዕ ቈሲሎም ከም ዝጸንሕዎምን ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ብሰንኪቲ ክብደት መቚሰልቲ ከም ዝሞቱን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቶም መወትቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መንበሪ ኣባይቲ እታ ከተማ ኣብ መኪናኦም እናሃለዉ እዮም ብጥይት ተወቒዕም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com