Tuesday , April 23 2024

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝርከባ ኲባንያታት፡ ን ድጎማ ምጒዳል ዋጋጸዓት ኤለትሪክ ከመልክታ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን፡ ከባቢታት ኤለትሪክ 3 ን 4 ን ዝርከባ ኣማኢት ኣሽሓት ኲባንያታት፡ ን ድጎማ ምጒዳል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ
ከመልክታ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ። ዘይከም ን ኣባይቲ ዝወሃብ ሓገዝ፥ እዘን ኲባንያታት ነዚ ብ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ዝተዳለወ
ገንዘብ ንምርካብ፥ ብንጥፈት መመልከቲ ከእትዋ ከድልየን ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
'እዚ ገንዘብ ዓቡዪ መለሳ ክህልዎ እዩ” ክብል ኣብ ቲብሮ እንዳ ሕብስት ዝውንን ፖ ኣንደርሾን ገሊጹ’ሎ። ንሱ “እዚ ደገፍ
ክመጽእ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጽበ ምጽንሑ፡ ዋጋ ጸዓት ኦኤለትሪክ 5 ዕጽፊ ብምውሳኹ ምስኡ ዝመጣጠን ዋጋ ዘለዎ ሕብስቲ
ምፍራይ ኣሸጋሪ ኮይኑ ምጽንሑ” ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ድጎማ ኤለትሪክ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ንዝርከባ ኲባንያታት ጥራይ
ዝተፈቕደ ምዃኑ ኣብ ገለ ወገናት ቅረታ ኣስዒቡ’ሎ። ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ገማግም ሽወደን ሓላፊት ማሕበር ቢዝነሳት ኣርያ
ኩፐር “ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ን ወንነቲ ኲባንያታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዂለን ስድራቤታት እዩ ሃስያ ኣውሪዱ። ስለዚ ድማ ኩሉ
ድጎማ ኤለትሪክ ክግበረለን ይግባእ ኔሩ” ክትብል ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com