Saturday , April 20 2024

ኣብ ደብዳቤ ዝተጻወደ ነቷጊ፡ ኣብ ጀርመናዊ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል ተፈንጂሩ

ሎሚ ረቡዕ፡ ከባቢ ሰዓት 4:30 ናይ ምሸት፡ ኣብ ኔካርሱልም (Neckarsulm)፡ ጀርመን፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ሊድል፡ ብፖስጣ ተጻዊዱ ዝመጸ ነቷጊ ከምዝተፈንጀረ ሂልብሮነር ስቲመ ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ነቷጊ፡ ብፖስጣ ዝተጻወደ ምንባሩን፡ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ፖስጣ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ ክብል እቲ ጋዜጣ ይሕብር።

ኣብቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ብፎኪስ ክቖስሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ክብል እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብቲ ቦታ፡ ብዙሓት ናይ ፖሊስ መካይንን ኣምቡላንስን ከምዝተረኽባን ካብቲ ከባቢ፡ ኣስታት 100 ሰባት ከምዝተኣልዩ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኩባንያ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ፡ ዝረአ ስግኣት ከምዘየለ፡ ፖሊስ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com