Wednesday , April 24 2024
Johan Nilsson// TT

ኣብ ደንማርክ ክልተ ዘጋታት ሽወደን ተቐቲሎም!!

ብ ሰሉስ ምሸት ኣብ ከተማ ኮፐን ሃገን ርእሰ ከተማ ደንማርክ ክልተ ዘግነት ሽወደን ዘለዎም ሰባት ተቀቲሎም ክብል ፖሊስ ደንማርክ ሓቢሮም ። ምስዚ ቅትለት ዝተኣሳሰር ኣብቲ ከባቢ ሓንቲ ኣውዲ ዝዓይነታ መኪና ከምዝነብረት ን ኣብ ምኽትታላ ከምዘለዉ ወሲኹ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።

ናይ መንነት ኣስማት መወቲ ካብ ምግላጽን ኮነ ን ቀረባ ቤተ ሰብ ካብ ምሕባር ዝተቖጠቡ ፖሊስ ደንማርክ ብቀረባ ምስ ፖሊስ ሽወደን ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ብሸወደን ዝተመዝገበት መኪና ሞይቶም ከምዝተረኸቡን  ከባቢ 10 ዝበጽሕ ምልውዋጥ ቶኹሲ ምስ ቀተልቶም ከምዝነበረ እቲ ሓደ መንእሰይ ሸዑ ክመወት ከሎ እቲ ካልኣዩ ግን ኣብ ሆስፒታል መስ በጽሔ ከምዝሞተ ሓቢሮም።

ፖሊስ ሽወደን ብወገነም ምስ ኣብ ከባቢ ሪንኪቢ ስቶኮልም ዝተካየደ መጥቃዕቲ ምትሕሓዝ ከይህልዎ ትወሳኪ መርመራታት ብምግባር ኣብ ምጽራይ ይርከቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com