Saturday , April 20 2024

ኣብ ጀርመን፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ትሪር፡ ኣብ ኣጋር ዝንቀሳቐስሉ ቦታ፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ከምዝቖሰሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ፖሊስ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብቲ ቦታ ንኽእለዩ ከምዝሓበረ፡ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ገሊጹ። እቲ ፍጻሜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ከምዝተፈጸመ ድማ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ፡ ፖሊስ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com