Friday , March 29 2024
STR/TT

ኣብ ገዝኡ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘጽንሐ ጃፓናዊ ተታሒዙ::

ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁሸት፡ ዝተቖራረጸ ኣካላት ናይ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ገዝኡ ዘጽንሐ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ፍራን24 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ወዲ 27 ዓመት ታካሂሮ ሺራይሺ፡ ነቲ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለየ መዝሓሊታት ድሕሪ ምዕሻግ፡ ደማምኡ ኣብ ዝድቅሳሉ ክፍሊ ኣቐሚጥዎ ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ፖሊስ፡ ንሓንቲ ብሕጊ እትድለ ዝነበረት ሰበይቲ ንምርካብ ኣብ ዘካዪድዎ ዝነበሩ ጎርጓር፡ እቲ ዘይንቡር ትርኢት ወዝቢ ከምዝተጓነፎም ገሊጾም።

እቲ ኣካላት ናይ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮን ናይ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ኮይኑ፡ እታ ብፖሊስ ትድለ ዝነበረት ሰበይቲ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ከይኮነት ከምዘይትተርፍ፡ እቲ ምንጪ ንሃገራዊ ቴለቪዥን ጃፓን ኤን.ኤች.ከይ. ብምጥቃስ ገሚቱ።

እታ ሰበይቲ ነፍሰ-ቅትለት ንክትፍጽም ነቲ ሰብኣይ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ተወኪሳቶ ምንባራ እውን ፖሊስ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com