Thursday , March 28 2024
Claudio TT

ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳኔ።

ኣብ ናይ ጎደና ቤት ሻሂታት ዝተወሰነ እገዳ ምትካኽ ካብ ዝቕጽል ክረምቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል’ዩ።
መንግስቲ ሸወደን ኣብ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳነ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
እዚ ሕጊ ብመሰረት ዝተገብረ ናይ ሕጊ ለውጢታት ዝሰዓበ ኮይኑ ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ተግባራዊ ኪኸውን እዩ።
ኮሚተ ማሕበራዊ ጉዳያት ነቲ እማመ ብሓፈሻ ብምቕባል ባይቶ እማመ መንግስቲ ምስናይ ገለ ለውጢታቱ ክቕበል ሓሳብ ኣቕሪቡሎ።
ናይ መንግስቲ እማመ ተግባራዊ ንምግባር ክልተ ዝበለያ ሕግታት ብሓደ ግዜ ክእለያ ይግባእ።ብዘይካዚ መንግስቲ ካብ ትንባኾ ዝመጹ ሓደጋታት ጥዕና ንምጒዳል ብርክት ዝበሉ እማመታት ኣቕሪቡ’ሎ።
-ኣብ ንግድ ትምባኾ ዝዋፈሩ ሰባት ኣቐዲሞም ፍቓድ ክወሃቦም ይግባእ። -እዚ ናይ ሕጂ ኣብ ምትካኽ ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ ኣብያተ ሻሂን መግቢን ውን ዘጠቓልል እዩ። –
እገዳ ምትካኽ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ካልእ ፍርያትን። – ብፍርያት ትምባኾ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ ሕጊ ጥዕናን ምልከታን ተግባራዊ ምግባር። -ትምባኾ ብውሑዱ 20 ቁጻራት ክህልዎ ኣለዎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com